ኣይትበልዋ

ግደፍዋ ኣይትበልዋ
ዝኾነቶ ኣለዋ
ስማ እንዳልዓልኩም ኣይተጸልምዋ
~~~~~~~~~~~~~~~
መን ይፈልጠላ ሽግራ
መን ይፈልጦ ምስጢራ
መዓስ ዕጭኣ ኮይኑ ክትጽዋዕ ኣመንዝራ
~~~~~~~~~~~
ግደፍዋ ኣይትበልዋ
ቃንዛ ኣይትኹንዋ
ኣይተንብዕዋ ንዘይትእብድዋ
~~~~~~~~~~~
ኣፍኩም ኣኩብላ
ንህይወታ ኣላቶ ባዕላ
ስቓይ ውሽጣ ኣይተጋድዱላ
~~~~~~~~~~~
እንተኺኢልኩም ሓግዝዋ
ሓብትኹም'ያ ሓብሕብዋ
ብሕሜት ኣይተጨንቕዋ
~~~~~~~~~~~
ወሰንቲ ኣይትኹኑ ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ
ነውሪ'ዩ ነውሪ ዓገብ
መዓስ መንያቶ ዕሸል ዕድሚኣ ዘይጽገብ
~~~~~~~~~~~
ምኽንያት ስለዘለዋ ድኣምበር
መዓስ ፈትያ ኣብ ባራት ክትሓድር
እንተኾነላ'ያ ንሳስ ህይወታ ክትጥውር
~~~~~~~~~
ኣይትበልዋ ሄዋን'ያ ኣዴኹም
ኣይትበልዋ ፍቕሪ የድልያ'ዩ ከም ሓብትኹም
ራህርሁላ በጃኹም
~~~~~~
ሚኪኤለ-መጎስ
ሓምለ-17-2019

Comments

Popular Posts