ሰብ ዕላማ
እቶም ሰብ ዕላማ ሰብ መትከል
ሰብ ዕላማ'ወ ጽኑዓት ከም ዓረ ኮቶ ዘይንደል
እወ እቶም ሕሩያት መሳርዖም ፍጹም ዘይትልተል
ህይወቶም በጃ ዝገበሩ መግዛእቲ ካብ ሱሩ ክፍንቀል;
ንስለ'ዛ ሃገር በጃ ዝሓለፉ
ቅድሜኻ ብጻይ እንዳበሉ ቅድሚት ዝተሰለፉ
ብርሃን ከይረኣዩ ንስለ ርስቶም ከም ሽምዓ መኺኾም ዝተረፉ;
እወ ሰብ ዕላማ ንብርሃን'ዛ ሃገር ኣብ ጸላም ዝሰፈሩ
ሰሚሮም ንህዝቦም ዝጠመሩ
ትኣምር መኸተኦም ንዓለም ዘመስከሩ
ድሕሪ መሪር ቃልሲ ሽግ ናጽነት ዘበሰሩ;
ንሶም'ስ ግብኦም ፈጺሞም'ዮም ሓሊፎም
ሰብ ዕላማ ህይወቶም ወፍዮም ናጽነት ኣበሲሮም
ሰብ ዕላማ'ወ ሰብ ራኢ ዘገርም ቅያ ፈጺሞም;
ንሕና'ኸ ኣበይ ኣለና ተረከብቲ ወለዶ
ታሪኽ በለልቲ ኮንቱ ዝተረፍና ዘንዶ ዘንዶ
ደቂ ሓንቲ መኣዲ ክንስና ፍጹም ዘይንቃዶ
ምስ ሕሉፍ ታሪኽና ዘይቃዶ;
ተሓተትቲ ከይንኸውን ጽባሕ ብታሪኽ ከይንኽሰስ
መመሰልቲ ኣይንኹን የሕዋት ኣይንወቓቐስ
ንመሰል ሓርነትና ሓቢርና ንቃለስ;
ንሕና ኤርትራውያን ስምረት'ዩ ዘምሕረልና
ሕድሕድ ምውንጃል ዘይባህልና
ውፋያት ንኹን ንድሕነት ህዝብና
ሕድሮም ንፈጽም ሰብ ዕላማ ዘሰከሙና።
ሚኪኤለ መጎስ
31/መጋቢት/2019

Comments

Popular Posts