እምነት
ብዘይእምነት ከንቱ'ዩ ፍቕሪ
ብቐረባን ርሑቕን ኣይትጠራጠሪ
እምነት ይሃልኺ ክንድ ፍረ ኣድሪ
አብ ልብኺ እምነት የሕድሪ
~~~~~~~~~~~~
እምነት መሰረት'ያ ንገዛ
እምነት መድሃኒት'ያ ንቃንዛ
እምነት ጽንዕቲ'ያ ንዝተጎዝጎዛ
እምነት ፍጽምቲ'ያ ንዝእዘዛ
~~~~~~~~~~~~~
እምነት ህይወት'ያ ንኹሉ ፍጡር ብዘሎ
ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቃሉ ዝበሎ
ዘይስገር የለን ምትእምማን እንተሎ
ብእምነት እንድዩ ሙሴ ኔባሕሪ ዝመቐሎ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
እምነት ኩሉ'ያ ንጡሙይ ከርሲ ተድርሮ
መንበሪ ንዝሰኣነ ኣብ ጽላል ተሕድሮ
ካብ ተፋቐርናስ ብእምነት ደኣ ንግበሮ
ውልዶ ፍቕርና ብእምነት ነመቅሮ
~~~~~~~~~~~~~~~
እመንኒ እሙን'የ ንዓኺ
ዘቋምታ ሄዋን የብለይን ብዘይካኺ
ኣልፋን ኦሜጋን ናተይ ንስኺ'ኺ
ሓደራ እምነት ኣይተጕድሊ ሓደራኺ
~~~~~~~~~~~~
ንፋስ ምፍልላይ ከይነፍሰና
ዕድል ኣይትሃቢ ዘረባ ጓና
መፍቶ ጸላኢ ሰናያት ከይከውን ፍቕርና
ኣብ እምነት ነማዕቅቦ ልብና!
~~~~~~~~~~~
ብዘይእምነት ከንቱ'ዩ ፍቕሪ
ብቐረባን ርሑቕን ኣይትጠራጠሪ
እምነት ይሃልኺ ክንድ ፍረ ኣድሪ
አብ ልብኺ እምነት የሕድሪ
~~~~~~~~~~~~
እምነት መሰረት'ያ ንገዛ
እምነት መድሃኒት'ያ ንቃንዛ
እምነት ጽንዕቲ'ያ ንዝተጎዝጎዛ
እምነት ፍጽምቲ'ያ ንዝእዘዛ
~~~~~~~~~~~~~
እምነት ህይወት'ያ ንኹሉ ፍጡር ብዘሎ
ከምቲ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቃሉ ዝበሎ
ዘይስገር የለን ምትእምማን እንተሎ
ብእምነት እንድዩ ሙሴ ኔባሕሪ ዝመቐሎ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
እምነት ኩሉ'ያ ንጡሙይ ከርሲ ተድርሮ
መንበሪ ንዝሰኣነ ኣብ ጽላል ተሕድሮ
ካብ ተፋቐርናስ ብእምነት ደኣ ንግበሮ
ውልዶ ፍቕርና ብእምነት ነመቅሮ
~~~~~~~~~~~~~~~
እመንኒ እሙን'የ ንዓኺ
ዘቋምታ ሄዋን የብለይን ብዘይካኺ
ኣልፋን ኦሜጋን ናተይ ንስኺ'ኺ
ሓደራ እምነት ኣይተጕድሊ ሓደራኺ
~~~~~~~~~~~~
ንፋስ ምፍልላይ ከይነፍሰና
ዕድል ኣይትሃቢ ዘረባ ጓና
መፍቶ ጸላኢ ሰናያት ከይከውን ፍቕርና
ኣብ እምነት ነማዕቅቦ ልብና!
~~~~~~~~~~~
ሚኪኤለ-መጎስ
ሓምለ-09-2019
ሓምለ-09-2019
Comments