ኣይመሰለንን ኔሩ /ሚኪኤለ-መጎስ
ከምዚ ትኾኒ'ለ ዘይገመትኩ
ከምዚ ኮይንኪ ትናፍቒ'ለ ዘይሓሰብኩ
ናብራ ቤተይ ከመሓይሽ'ለ ዝነቐልኩ
ቤተይ ራሕሪሐ ኣርሒቐ ዝገሽኩ;
ኣይመሰለንን ኔሩ ናፍቖት ዘሳቕየኪ
ኣይመሰለንን ኔሩ ከምዚ'ሉ ናፍቖት ውሽጥኺ ዘሳጽየኪ
ኣይመሰለንን ኔሩ ምፍልላይ ሕሱም ውሽጥኺ ዝድውነኪ;
ብፍላጥ ኣይኮንኩን ኣደይ በዲለኪ
እንተኾነለይ ናብራ ቤትና ከመሓይሽ'ለ እየ ተፈልየኪ
ኣይመሰለንን ኔሩ ብድሕረይ ዝሓስመኪ
ኣይትሓዝለይ ኣደይ ንናፍቖት የሕሊፈ ሂበኪ;
ኣነ'ስ ይናፍቐኪ እንድየ ኣደይ ብዘይ መጠን /ሚኪኤለ-መጎስ
ምውዓለይ ኮይኑ ብሓሳብ ከስተንትን
ናፊቐኪ ኣደይ ብኡነት ብዘይ መጠን;
ጥዑም ግዜ ደኣ ይምጽኣና ዳግማይ ንራኸበሉ
ኣኻኽቦ ይፍጠር እቲ ጎይታ ባዕሉ
ኣብታ ምውቕቲ ቤትና ኣብ ሓደ መኣዲ ንእከበሉ
ካብ ሕሱም ናፍቖት ንናገፈሉ።
ሚኪኤለ-መጎስ
31/መጋቢት/2019
Comments