~ስተርኒ~~~
ንግዳም ኣይተውጽእለይ'ቲ ናይ ውሻጠ
ጉደይ ከይፈልጥ'ቲ ዘይፈለጠ
ስተርኒ ክትርናዕ ሕፍረተይ ቀንጢጠ
~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ምቕሳን ኣቢኒ ልበይ
ሕርግራግ ኣቲዎ ከም ዝተዘርገ ማይ
እናሻዕ እንዳተራእየኒ ጭካነይ
~~~~~~~~~~~~~~~
ሄዋን ዝበደለ ምዓስ ይቐስን ኮይኑ
ዓስቢ ጽቡቓ ብኽፋእ ዘቃኑ
እንሆ ስንብራትኪ ይገርፈኒ'ሎ ክሳደይ ኣድኒኑ
~~~~~~~~~~~~~~
ተቐጺዐ'የ ብመንፈሰይ
ብህየተይ እንከለኹ ሓዚነላ ነብሰይ
ሕሩር'ዩ ዘሎ ውሽጠይ
~~~~~~~~~~~~
መሪር ጣዕሳ ሓዚኡኒ
በዝን በትን ኣሻቢቡኒ
ሕልናይ እናሻዕ እንዳወቐሰኒ
~~~~~~~~~~~~~~
ንስኺ ዶ ምተበደልኪ
ምኸበርኪ'ምበር ምሓንቀቕኪ
የግዳስ ዘይኢድኪ ፈድየኪ
~~~~~~~~~~~~~~
ምስ ውነይ ኣይነበርኩን ይቕረ ይብል ኣለኹ ኣብ ብርክኺ ተደፊአ
ሓመደይ ነሲአ
ወላዲተይ ኣይትርአ
~~~~~~~~~~~~~~~
ሰታሪተይ ስተርኒ
ካብቲ ዘሳቕየኒ
ጸጽባሕ ዘጨንቐኒ
~~~~~~~~
ስተርኒ ልበይ ክሃድእ ክፈዅሰኒ
ንበዓል ማዕዶ የሕሊፍኪ ኣይትሃብኒ
ከም ኢደይ ኣይትፍደይኒ!!!
~~~~~~~~~~~~~~~
ሚኪኤለ-መጎስ
8-ነሓሰ-2019

Comments

Popular Posts