ይቕረ-በልለይ
ይቕሬታ ሓብተይ
በዲለኪ'የ ኣይትሓዝለይ
ይቕረ ግበርለይ
~~~~~~~
እዚ ኹሉ ዶ ንዓኺ
በደል ዘይግባእ ኣብ ልዕሌኺ
ከሰል ከዲነዮ'ቲ ብሩህ ምስልኺ
~~~~~~~~~~~
ጎነይ ምዃንኪ ዘንጊዐ
ኣብ ልዕሌኺ ተበዲዐ
ብዕብዳን ንእስነት ሰዲዐ
~~~~~~~~~~~
ከምዘይሓብሓብክኒ ክንዲ ኣደ ሓብቲ
ሓላል'ወ ኔርኪ እምንቲ
ወሓለ ጥቅውቲ
~~~~~~~~~~
ዘይኢድኪ ጽቡቕኪ ገፊዐዮ
ብርሃንኪ ቐንጢጠዮ
ኣብ ጸላም ደርብየዮ
~~~~~~~~~
ይቕረ በልለይ'ኺ በዲለኪ'የ ኣነ
ምስ ለውሃትኪ ዘይሳነ
ተስፋኺ ኣብኒነዮ ጉልባብ ተሸፊነ
~~~~~~~~~~~~~~
ብጡዑም መልሓስ ጠቢረኪ
ሓብተይ ንዘይኮነኪ
ኣብ ሽግር ኣውዲቐኪ
~~~~~~~~~~
ይቕረ በልለይ
ዘይከም በደለይ
ሕድገት ግበርለይ
~~~~~~~
ሚኪኤለ-መጎስ
ሓምለ-14-2019

Comments

Popular Posts